ኣብ ሕዳር 2020 ኩናት ክልል ትግራይ ካብ ዝውላዕ ንድሓር: ኣብ 4 መዓስከራት ስደተኛታትን ካብ መዓስከር ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን: ብዙሓት ግዳይ ሞት: መጭወይቲ: ማእሰርቲ: ጾታዊ ዓመጽ: ማህረምቲ ከምኡ እውን ኣሽሓት ሃለዋቶም ጠፊኦም ዝብል ሓበሬታ ክዉንነትን ሃለዋት ዝጠፍኡ ብሕጋዊ ምደያ ምሓዝን እዩ


ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ንምጽራይን ተሓተቲ ኣብ ሕጊ ንምቕራብን ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ፈተነታት ይካየድ እኳ እንተሎ: ከምቲ ዝድለ ግን ኣይተሳለጠን።


ማሕበር ተራድኦ ሱርባና ምስ ካልኦት ማሕበራትን ግለ ሰባትን ሓቢራ ኣብ ህላወን ጸገማትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ክነጥፍ ስለዝጸንሐት ከም መቀጸልታ ሰብኣዊ ንጥፈታቱ: ሃለዋት ናይቶም ኣብ ኩናት ትግራይ ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራውያን ንምፍላጥን ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ኣቕሪብካ ኩነታቶም ብሕጋዊ ኣገባብ ንምጽራይን ተበግሶታት ጀሚሩ ኣሎ።


በዚ መሰረት: ስድራቤት ወይ መቕርብ ናይቶም ኣብ ኩናት ክልል ትግራይን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን ሃለዋቶም ዝጠፍኡ ወገናት ንምፍላጥ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ክትልእኩ ንምሕጸን።

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ መደብ:

• ናይዞም ደሃዮም ዝጠፍኡ ኤርትራውያን: ንቐይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ካልኦት ኣህጉራውያን ማሕበራትን ሓበሬታ ብምልውዋጥ: ብጭቡጥ መዋድቆኦም ንምርካቦምን ጉዳዮም ንምፍላጥን ዝሕግዝ መስርሕ ተጀሚሩ ዘሎ ንምስላጥ ኢዩ። ንህቦ ሓብሬታ ኣብ ሶሻል ሜድያ ኣይጥቃዕን/ ኣይዝርጋሕን እዩ

ብሕጋዊ መንገዲ ምስ ሕጋውያን ማሕበር ዝግበር መስርሕ ጥራ እዩ ዘገልግል


እዚ ጉዳይ ዝምልከቶን ንምርካቦምን ደሃዮም ብሕጋዊ መዳይ ንምፍላጥን ዝሕግዝ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ክንሰድድ የድሊንሰዶ ሓበሬታ ብስቱር ይግበር;; ዝስደድ ሓበሬታ እዚ ዝስዕብ ይኸውን


1- ምሉእ ስም –

2- ትውልዲ ዓዲን ዜግነት

3- ዕድመ

4- ደሃይ ዘጥፍኣሉ ግዜ ዝጥቀመሉ ዝነበረ/ት ቁጽሪ ስልኪ

5- ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ትግራይ

6- መወዳእታ ግዜ ዝተራእየሉ ቦታን ዕለትን

7- ስእሊ

8- ናይ ሃለዋቱ ዝጠፍአ ሰብ ውክልና ዝወስድ ምሉእ ስም- ቁጽሪ ስልክን ትነብረሉ ሃገርን

9- ኣብ መወዳእታ ግዜ ዝነበሮ ቦታ ዓዲን መሕደሪ ኣጋይሽ/ ገዛ ዋና ገዛ ወይ መዕረፊ ኣጋይሽ

10- ምስኡ ዝነበሩ ካልኦት ስደተኛታ ኣስማት ምስ ዝከኣል ሃቡና

11- ዝተሰቅላ መኪና ቁጽሪ ሰሌዳን ካልእን ምስ ዝከኣል ሃቡና


ንዝያዳ ሓበሬታ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሰባት ተወከሱ ኣብ

Facebook / George Ghebreslassie (Surbana Vision Media and Community Services, Inc)

Facebook /Mulueberhan Temelso (Foundation Human Rights for Eritreans)


Email: Justice4All@yahoo.com

George Ghebreslassie

Surbana Vision Media and Community Services, Inc

surbanalife.org

https://gf.me/u/zagfhn

.ministryofcaring.org

“The poor should never be treated poorly but with dignity and respect.