ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ነድሕን!

ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ነድሕን!

 ህጹጽ ጻውዒት

ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከላኸለሎም - ሎሚ!

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሃንደበት ንመዓት ተቓሊዖም ይርከቡ - ተነጽሎ፡ ራዕዲ፡ ረሃብ፡ ወይ ውን ጃምላዊ ህልቂት ኣንጸላሊዉዎም ኣሎ። ብህይወት ከም ዝተርፉ ንምግባር ነዚ ህጹጽ ጻውዒት ክትጽንበሩዎ ብትሕትና ንሓትት።

ዓለም ብምልእታ ትዕዘቦ ከም ዘላ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓንቲ ካብ ክልላታ ዝዀነት ትግራይን ኲናት ተወሊዑ ይርከብ። ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ፡ እቲ ኲናት ኣዝዩ በርቲዑ ኣሎ። ብዙሓት ወተሃደራትን ሲቪልን ተቐቲሎም ኣለዉ። ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲቶም ከም ዘለዉ ይሕበር ኣሎ። በቲ ኵነታት ዝተሻቐሉ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕቡራት መንግስታትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ነቲ ኲናት ደው ከብሉ ይጽዕሩ ኣለዉ። እንተዀነ፡ እቲ ኲናት ክሳብ ሕጂ መመሊሱ’ዩ ዝዓርግ ዘሎ።

ካብ ገዛእ ሃገሮም ኤርትራ ካብ ዘስካሕክሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣምሊጦም ዝመጽኡ ቈልዑ፡ ደቀ’ስንትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝርከቡዎም 96,000 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ኣብ መንጎ’ዚ ኲናት ዘለዎ ቦታ ተቐርቂሮም ይርከቡ። እዞም ስደተኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት መዕቈቢ ስደተኛታት ካምፕታት ኣብ ትግራይ ብሕያውነት ኣዕቊቡዎም ዝነበሩ እዮም። ሕጂ ግን ናብ’ቶም ካምፕታት ዝወስዱ ናይ ኣቕርቦት መገድታት፡ መራኸቢታትን ኢንተርነትን ተቛሪጾም ኣለዉ። ንህይወቶም ብምስጋእ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ናይ ረዲኤት ሰራሕተኛታትን ካብ’ቲ ቦታ ኣልጊሶም ኣለዉ። ዘለዎም ቀረብ መግቢ የንቈልቍል ከም ዘሎን ኵነታቶም ኣዝዩ ጽንኩር ከም ዘሎን ዝሕብር ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ እንተዘይኰይኑ፡ ካብ’ቶም ካምፕታት ዝርከብ ሓበሬታ ዳርጋ የለን።

እቶም ካምፕታት ንባዕሎም ግዳይ’ዚ ውግእ ኰይኖም ኣለዉ። እቶም መሳለጥያታትን እቶም ህዝብን ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ምትራፎም እንተ ዘይኰይኑ፡ ዝርዝር ሓበሬታ’ቶም ካምፕታት የለን።

ካልእ ጉጀለ - ኢትዮጵያውያን ተጋሩ - እውን ብብዝሒ ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን እናሃደሙ ስደተኛታት ኩይኖም ይርከቡ። እቲ ዋሕዞም ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ረኺቡ፡ ንድሕንነቶም ዝውዕል ማዕከን ንምእካብ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ተገንዚብናዮ ከም ዘለና ግን ነዞም ሃንደበት ኣብ ትግራይ ሓዲግ ተሪፎም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝተገብረ ጻውዒት የለን።

ሱርናባ ቪዥን ሜድያን ኮማዊ ኣገልግሎትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝመደበሩ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓለዋ ንኽረቡ ኣበርክቶ ዝገብር ዘይመኽሰባዊ ማሕበር እዩ። ገለ ካብ ንጥፈታቱ ኣብ ብኲናት ዝተሓመሰት ሊብያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዝያዊ መዕቈቢ ምቕራብን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ጾታዊ ዓመጽ ንዝበጽሐን ደቀ’ንስትዮ ምሕጋዝን የጠቓልል። ማሕበር ሱርባና መብዛሕቲኡ ግዜ ምስ ሕቡራት ሃገራት፡ ጋንታ ኣመሪካ ንዝተመዛበሉ ኤርትራውያንን ካልኦት ፍሉጣት ውድባትን ብሽርክነት ይሰርሕ እዩ። ሕጂ እምበኣር ማሕበር ሱርባና ኵሎም ግዱሳት ነዞም ኣብ ትግራይ ኣብ’ዛ ናይ ሞትን ሕየትን ህሞት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብህይወት ክሰሩ ኣበርክቶ ክገብሩ ይሓትት።

እዚ ህጹጽ ኵነት እዩ ኣብ’ዚ ወፍሪ - ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣድሕን! ብምስታፍ፡ መግቢ፡ ማይ፡ መድሃኒትን ካልኦት ህይወት ኣብ ምድሓን ዝጠቕሙ ነገራትን ብምብርካት ከተድሕኖም ትኽእል ኢኻ። ናይ ቀረብን መራኸቢታትን መስመራት ኣብ ዝኽፈትሉ ሰዓት ነዞም ነገራት ብቐጥታ ዲዩ ወይ ብመገዲ ትካላት ግብረሰናይ ከነብጽሓሎም ኢና። ኣብ’ዚ መረበብ ሓበሬታ ድማ ናይ’ዚ ዕማም ሓድሽ ምዕባለታትን ውጽኢት’ዚ ወፍርን ክነቕርብ ኢና።

ሎሚ ንሃብ፡ ንጹሃት ክጠፍኡ ተዓዘብቲ ኣይንኹም።

ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ከነድሕኖም ሓግዙና!

ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ነድሕን!