1. ሊብያ

ሱርባና ቪዥን ሜድያን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ ስደተኛታት መጽለሊ ትቕርብን ለጋስ ደገፍኩም እምነት ብምግባር ድማ ተወሰኽቲ ድሌታት ስደተኛታት ንምምላእ መደባታ ከተስፍሕ ትውጥንን።

መጽለሊ

ኣብ ሊብያ፡ ማሕበር ሱርባና ንኣስታት 230 ዝዀኑ ሰባት መዓልታዊ ኣገልግሎት ዝህብ መጽለሊ ተካይድ። እዚ መጽለሊ’ዚ ነቶም ናብኡ ዝመጽኡ ስደተኛታት ምሉእ ኣገልግሎት እዩ ዝህብ። እዚ ማለት፡ እቶም  ስደተኛታት ኣድለይቲ መሰረታውያን ነገራት ከም መግብን ናይ ንጽህና ነገራትን ይረኽቡ። ዝያዳ ንሓደጋ ቅሉዓት ዝዀኑ ወገናት ከም ሓጋዚ ዘይብለን ኣዴታት፡ ዘሰኒ ዘይብሎምን ካብ ወለዶም ዝተፈለዩን ቈልዑን ናይ ጥዕና ጸገማት ዘሎዎምን ፍሉይ ኣተኵሮ ይወሃብ እዩ።


2. ኢትዮጵያ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ማሕበር ሱርባና ክልተ ውሑሳት ገዛውቲ ትካይድ፣ ሞያዊ ስልጠና ትህብ፣ ናይ ምጥባቕ/ ምሕላቕን ግዝያዊ ህጹጽ ሓገዝን ደገፍ ትህብ።

መጽለሊ

ማሕበር ሱርባና ንጽጉማት ኤርትርዋያን መጽለሊ ትቕርብ። ነቶም በብግዜኡ ዝዓብዩ ዘለዉ ድልየታትን ጠለባትን ንምምላእ’ውን ነዚ መደብ ከተስፍሖ ውጥናት ኣሎዋ። እተን ተኸፊተን ዘለዋ ክልተ ውሑሳት መጽለሊ ምሉእ ኣገልግሎት’የን ዝህባ ዘለዋ፤ ከም መግቢ፡ ልብሲ፡ ናይ ንጽህና ነግራት፡ መድሃኒትን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ይቕርባ። እዘን መጽለሊ ገዛውቲ መሰነይታ ንዘይብሎምን ካብ ወለዶም ንዝተፈላለዩን ቈልዑ፡ ደጋፊ ንዘይብለን ቈልዑ ዘለዉወን ኣዴታትን ሕዱር ናይ ጥዕና ጸገማት ዘሎዎም ሓዊሰን፡ ብፍሉይ ንሓደጋ ንዝተቓልዑ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዝያዳ ኣድህቦ ይህባ።

ሞያዊ ስልጠና

ሞያዊ ስልጠና ኤርትራውያን ውሑስን ዝሓሸን ስራሕ ንኽረኽቡ ዘኽእሎም ናይ ክእለት ስልጠና ይህብ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ማሕበር ሱርባና ምስ ኣብ’ቲ ሃገር ዝርከቡ መሻርኽታ ብምዃን ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናይ ጽርበት ዕንጸይትን ስራሓት ሓጺንን ስለጠናታት ትህብ ኣላ።  

ምጥባቕ/ ግዝያዊ ደገፍ

ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ክልል ትግራይ - ኢትዮጵያ - ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣድለይቲ መሰረታውያን ነገራት ክረኽቡን ኣብ’ዚ ናይ ግጭት እዋን ውሕስነቶምን ድሕነቶምን ክሕሎ ናብ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓት፡ ዘይመንግስታውያን ውድባትን ሓውሲ መንግስታዊ ኣካላትን ጥርዓንን ናይ ምሕላቕ ስራሕት ተካይድ። ብዘይካ’ዚ፡ ምስ መንግስቲ ዘወሃህዱ ወኪላት ብምትሕብባርን ምውህሃድን፡ ማሕበር ሱርባና ህጹጽ ደገፍ ክትቅርብ ክኢላ እያ።


3. ሱዳን

ኣብ ሱዳን፡ ማሕበር ሱርባና ናይ ሞያን ንመነባብሮ ዝሕግዙ ስለጠናታት፡ ከምኡ’ውን ካብ ጾታዊ ዓመጽ ንዝደሓና/ንዝደሓኑ ማሕበረ-ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ትህብ።  

ምስ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከባ ወከላት ብምትሕብባር ናይ ስፌት ክዳንን ምምሻጥ ጸጕሪ ርእስን ስልጠናታት ነጣጥሕ። ብተወሳኺ፡ ካብ ጾታዊ ዓመጽ ንዝደሓና/ንዝደሓኑ መጠነኛ ፋይናንስያዊ ሓገዝን ናይ ማሕበረ-ስነ-ልቦናዊ ደገፍን ንገብር።


4. ግብጺ

ኣብ ግብጺ፡ ማሕበር ሱርባና ኣብ ማሕዩር ንዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ክፍትሑ ትጣበቕን ትጕስጕስን። ካብ ኣሰጋገርቲ ሰባት ንዝደሓኑ ስደተኛታት ድማ መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ዝሕግዙዎም ስልጠናታት ትህብ።

ዑቕባ ንምርካብ ሕቶ ከቕርቡ ዕድል ከይረኸቡ ንዝተሓየሩ ኤርትራውያን ስደተናታት ንጣበቕ። ኣብ’ታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ወኪላት ብምውህሃድ’ውን ካብ ስቅያትን መሰጋገርቲ ሰባትን ሲናይ ንዝተገላገሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓቘፈ ናይ ስፌት ክዳንን ስልጠና ኮምፕዩተርን ዘጠቓለለ ሞያዊ ስልጠና ንምሃብ ንሰርሕ ኣለና።